ብራና ጥንታዊ ቅርስና!
ብራና ማለት ካብ ቆርበት ጤል፥ በጊዕ፥ ምራኽን ….. ወዘተ ዝዳሎ ከም ወረቐት ዘገልግል ዝነበረ ኮይኑ፥ ንኽትጽሕፈሉ፥ ክትስእለሉን ክትደጕሰሉን (ክትሽፍነሉ)ተባሂሉ ብጥንቃቐን ርእሱ ብዝኽኣለ ብልሓትን ዝዳሎ ንስራሕ ጽሕፈት ዝጠቅም እዩ። ከምዚ ሎሚ ዓለምና ብወረቓቕቲ ከይመልኣት፥ ዘመናዊ ቤት ማሕተማት ከይተመሥረቱ፥ ናይ ጽሕፈት መኪናን ኮምፒተራትን ከይተማህዙ ከለዉ፥ ብሓፈሻ ናይ ወረቐት ስራሕን ዝተፈላለዩ መሣርሒ,ሥነጽሑፍን ከይማዕበሉ ከለዉ፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ንነዊሕ ዘመናት ብራና ይጥቀማ ከምዝነበራ ኣብ ማህደር ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ እንተ ኾነ’ውን ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ንማሕበራዊ ናብራን ሕግታት እንዳባን ዝጥቀሙሎም ታሪኻዊ መዛግብቲ ኣብ ብራና ተጻሒፎም ንረኽቦም። ብሓፈሻ ብራና ብድሕሪ ደቂሰባት ካብ ቀጸላ እምኒን ዕንጨይትን ምጽሓፍ ቀጺሎም ዘማዕበልዎ ኣገባብ መጽሓፊ ብራና ምዃኑ ይንገር። እስከ እምበኣር ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ኣብ ገዳማትን ኣድባራትን ኣብ ሓያሎ ቤተ መዛግብትን ተዓቂቡ ዝርከብ ጥንታዊ ቅርስናን ዕቁር ታሪኽናን ዝሓዘ መጽሓፈ- ብራና ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ዘዳለናዮ ሓጺር ጽሑፍ ንከታተል።
ንግደት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል, ሻርሎት
ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።
ቀጺልና ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት 21 ሕዳር (November) ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርህዎ ይሰፍር። ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም።" (መዝ 34፡7) ዝበሎ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ብጸሎት፥ እቶም ኣብ ከባቢና ዘሎኹም ድማ ብኣካል ተረኺብኩም፥ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ንድሕሪት ኣይትመለስ!!
እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን’ዚ ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም’ዩ ዝነበረ። በቲ፡ “ናብ ገሊላ ኽቕድመኩምእየ” ዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ።
Struggle to attain Kindness
Day 40 (6th Friday of the Holy Fast)
“Be kind to one another, tenderhearted, forgiving one another, even as God in Christ forgave you.” (Eph 4:32)
“The spiritual person is kind. He never practices cruelty in any of its forms, but is always gentle in his relations with others. Kindness, according to the Apostle Paul, is also a ‘fruit of the Spirit’ (Gal 5:22).
Meet God early in the morning
“So be ready in the morning, and come up in the morning to Mount Sinai, and present yourself to Me there on the top of the mountain.” (Exo 34:2)
Pray before sleeping
“Let my prayer be set before You as incense, the lifting up of my hands as the evening sacrifice.” (Psa 141:2)
“When you begin to feel that sleep is near, turn to the Lord God with your evening prayers, either using the prayers assigned by the holy Church or in your own words, different from those of the assigned prayers. But make sure that your prayers are without fail holy and thorough.
“ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” (ማቴ 24፡3)
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንብባ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርኸብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ።
Page 1 of 2